Skip to content

Tekeste Habte Family

Memories of Tekeste Habte

Menu
  • Family Memories
  • Friends Tribute
  • Tekeste Habte
Menu

ግጥሚ ንመምህር ተኸስተ ሃብተ

Posted on March 10, 2023

ስርሑ ጀሚሩ ዶመዝ ምስ ጀመሮ

ንበይኑ ነይበልዖ  ንበይኑ ነይገበሮ:

ኣሕዋቱን ዘማተቱን ኣብ ሓደ ኣኪቡ

ዝረኾቦ ዘኻፍል ስኢኑ ረኪቡ:

ህይወቶም ዝተንከፎም ኣለው ብዙሓት

ዝምስክሩ ኩሉ ከምዝገበሮ ብትሕትና ብዘይ ኩርዓት:

ገጽ ብገጽ ዝዛረብ ሕሜታ ዘይፈቱ

ናይ ካልእ ዘይፈቱ በላዕ ናቱ:

ዓለም ፍሽክ እንተዘይበልካያ

ካብኡ ይሕለፍ ትብለካ ኮርያ

ዝሃብካና ትምህርቲ እምነ መሰረት ዓቢ ሞያ:

ህይወትካ ሕጉስን ኣወንታውን ብዙሓት ዝተንከፈ 

 ብግቡእ ተጠቂምካሉ መዋእልካ የለን ዝተረፈ:

መጽሕፍቲ ኣኪብካ ዘወፈኻዬ ንናይ ካምቦኒ ላይብሬሪ

ሃናጺ ንመንእሰያት ኮይኑ ኣሎ መምሃሪ መመራመሪ:

ፍኖተ ብርሃን መዕበይ ዘክታማት ዘይርሳዕ ሓድጊ

ስለ ጽቡቕ ግብርካ ኣብ የማኑ የቀምጥኻ ኣቦይዝጊ:

ወናኒ ብሩህ ኣእምሮ ኣብ ደቂቕ ዘይግደስ 

ብዓል ዓቢ ሓሳብ ከም ሶቅራጥስ:

ፈታው ኩሉ ህዝቡ ዳላይ ፍቕሪ ዳላይ ሰናይ

ሓግዘኒ ንዝበሎ ዘይፈልጥ እምብለይ ንኩሉ ሕራይ:

ድኻ እንተተበደለ ነይድቅስ ነይቀስን  

ርትዓዊ ፈታዊ ጥበብ ከም ንጉስ ሰለሙን:

ለባም መስተውዓሊ ዘይታለል ብብሩር ብወርቂ

ጥቕሚ ህዝቢ ዘቐድም ዘይግደስ ብናይ ውልቂ:

ጽቡቕ እንተረኣየ ይሕጎስ ተደሪሩ ይሓድር

ጽርግያ ክሕደስ መስመር ማይ ክዝርጋሕ ኣበርቲዑ ዝጽዕር:

ሰብ ኮርዩ ሰላም እዝጊሄር እንተቕበጸ እንተኣበየ

መምህር ሓደርካዩ ዝብሎ ከይዘንግዓ ከይደንጎየ:

በል መምህር ሓዲካና ካብ ከድኻ ናብ ርሑቅ መገሻ

ጣዕምኻን ማዕዳኻን ኾይንና ኣሎ ውርሻ:

ህይወትካ ዝተንከፈ ንዓቢ ንንእሽቶ

ኩሉ ጻዕዳ ይጽናሕካ መንግስተ ሰማይ ብድሓን እቶ።

መምህር በረከት ቀልኣብ

Leave a Reply Cancel reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Recent Posts

  • ግጥሚ ንመምህር ተኸስተ ሃብተ
  • መልቀስ
  • እተን መሰረታውያን ኣርባዕተ ባእታታት
  • Grand Children Memories
  • Tekeste Children Memories

Recent Comments

No comments to show.

Archives

  • March 2023
  • February 2023
  • January 2023
  • February 2022

Categories

  • Uncategorized
©2026 Tekeste Habte Family | Design: Newspaperly WordPress Theme