ንመምህር ተኸስተ ሃብተ
ወየ!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!
ወየ!!!!ኣነ!!!!!ወየ!!!!ኣነ!!!!ወየ!!!ኣነ!!!
ለባም ናይ ለባማት መምህር መይቱ
መምህር ተኸስተ ወረጃ! ሎሚ ሞይቱ
ክስዕመካ ኸሎ ብኽልተ ምዕጉርቱ
ኣንታ እዚ ሃገርና ብዙሕ ተዘሚቱ
ንስኻ ዘይብሉስ!!! ዓለም!!ከንቱ መንቱ።
መምህር ሽምዓ!!መብራህቲ፡ ሃገርና
ሊቅ! ነርካ፡ ከም መጽሓፍ ብራና
ወዲ እዞም ሓገግቲ፡ ለባማት፡ ዓደቦና
መምህር ኣለኻ እናተባሃልካ፡ ቀዲምካና
ንስኻ ብቖጸራኻ፡ ንሕናን! ብገርህና።
ወየ!!!!!!!ወየ!!!!!!!ወየ!!!!!!
መምህር ተኸስተ ወዲ ባሻይ ሃብተ
ቀልቀል ዓዲ ያቕነ ኮይኑ ዝጠመተ
ኣንጊሁ ዝተማህረ፡ ንፍልጠት ዝዘመተ
ወዲ መንበር፡ ወዲ ሕጊ፡ ብንእሱ ዝሰረተ
ትሕትናን፡ ልቦናን፡ ልግስን ዝተቐነተ
ንስኻ ዘይብሉ ሃገረና ደጊሙ!! ተዘምተ።
ወየ!!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!!!
መምህር ተኸስተ ለባም ካብ ዓደቦ
ክእለትካን፡ ትዕግስትኻን መንከ! ተረከቦ
ሽምዓ ብርሃን፡ ንኹሉ ብሰፊሕ ዘዝንቦ
ዓቢ እምባ! መዋዳድርቲ ዘይርከቦ
ዓቢ ዳዕሮ! ዘጽላል፡ ንባይቶ ዓዶቦ
እሩም ኣንደበቱ፡ መዓር ወልላ! ኣጅቦ።
ወየ!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!!
ወዮ ቀብርኻ ዓዶቦ ሰሚዖምዶ!!
ዘዕበኻዮም ተመሃሮ ኣፋነውኻዶ
ወዮም ዓዲ ሕይስ መጺኦምዶ
ማይላሓም መራጉዝ ፈሊጦምዶ
ተማሃሮ ሳንጆርጆ ቀቢሮምዶ
ደቂ ኣድከም ምልጋእ ተዓጢቖምዶ
ግርማ ዓዶቦና! ካን ተሳናቢትካናዶ!።
ሓወይዶ!! ክብለካ ወይስ ዓቢ ኣያይ
ኣብ ኩሉ ዝውለድ ላዕላይ ኮነ ታሕታይ
ኣብ ዝባን ውዒሉ ዝሓድር ጻዕዳ ቓላይ
ወዲ ርእሲ ሃይማኖት!ብበቕል ሰጋራይ
ብዓል ጉልቲ፡ ብዓል ርስቲ፡ ዘርኢ ስርናይ።
ውላድ ናይ መራጉዝ ዕባይ ዓድዃላ
ጻዕዳጣፍ ትሓፍስ እንኮላይ ማሸላ
ቆፋፉ እንዳ ኣቦኻ ኩላ መሊኣላ።
ወየ!!!!!!!ወየ!!!!!!ወየ!!!!!!
መምህር ሽምዓ፡ ወዲ ሓሙሽተ ገምበር
ጊሕት፡ ጊሓት ከም ንህቢ! ዝብርበር
እቲ ልቦናኻ ደጋጊምካ ተዝምርመር
ልውሃትካን፡ ቅንዕናኻን፡ ዘይርከቦ ኣበር
ሓረጉ ምስ በለ፡ ኣይበልን ጠምበርበር
ወዲዘን ወዘራዝር ዓንገልቲ ናይ ሃገር
ፈቃር ብምዃኑ ሽሻዩ ይኹመር
ከድካ እምበኣር ዘይትርከብ ማህደር።
ኣንታ ሽምዓ መምህር ኣኺሉ ስዓትካ
ንሕና እንተንኸውን ብዙሕ መጽናሕናካ
ዘይኸውን ኮይኑ ፈጣሪ ካብ ጸዋዑካ
ሻምበል ዑቕባሚካኤል ስዒብካዮ! ዓርክኻ
መንግስተ ሰማይ ይከፈት ኣብ ቅድሜኻ
መላእኽቲ ኣኽቲቱ ክርስቶስ ይቀበልካ።
ወዘሮ ሓረጉ ደርቢ ቅናትኪ
ኣየድል ሓዘን እንታይ ክኾነኪ
ኣይትርስዕዮን፡ ወዘሮ ሂወት ኣደኺ
ባሻይ ገረመድህን! እኮ! ወላዲኺ
መምህር ኣይሞተን ጽቡቕ ኣውረኪ
ሽምዓ እዩ፡ ሽሙ!! ብርሃን ናይ ሃገርኪ
ብህጻንነትኩም ነዊሕ ተጓዒዙ ምሳኺ
ብሓጎስ ምቕባል እዩ! ዝሓይሽ ንዕኺ
ጽንዓት ይሃብኩም ምስ ኩሎም ስድራኺ።
ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ፡ ዘብሄረ ሰራየ!!!!!
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 14 መጋቢት 2017