Skip to content

Tekeste Habte Family

Memories of Tekeste Habte

Menu
  • Family Memories
  • Friends Tribute
  • Tekeste Habte
Menu

እተን መሰረታውያን ኣርባዕተ ባእታታት

Posted on February 27, 2023

ባባ ካብ ግዜ ቍልዕነተይ ኣትሒዙ ዝመሃረኒ ነገር ብዙሕ እኳ እንተነበረ ንምጽማቝ ክጥዕመኒ ግን ኣብዘን  ዝስዕባ ኣርባዕተ መሰረታውያን ባእታታት ህይወት ከፊለ ክርእዮ ክፍትን’የ። ንሳተን ድማ፡ ትምህርቲ፡ ንባብ: ቤተ ክርስትያንን፡ ቤተሰብን እየን።

ትምህርቲ፤ ባባ መምህር ከም ምንባሩ መጠን፡ ኣብ ትምህርቲ ዝነበሮ ተገዳስነት ፍሉይ እዩ ነይሩ። “ትምህርቲ፡ ናብ ዓወትን ጽቡቕ ህይወት ንዝወስድ ዝበለጸ መንገዲ’ዩ፡” ኢሉ ይኣምን ድማ  ስለ ዝነበረ ድማ ደቍ ኣብ ትምህርቲ ዕዉታት ክንከውን ብዙሕ ጻዕሪ ይገብርለና ምንባሩ ጽቡቕ ገይረ እዝክሮ።

 ካብ መዋእለ ህጻናት ጀሚረ ክሳዕ ካብ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቀ ዝወድእ ብፍሉይ ይከታተለኒ ነይሩ። ንኣሕዋተይን ኣሓተይን’ውን ከምኡ። ሳላ ከምኡ ገይሩ ዝኾስኮሰና ድማ ኹላትና ኣብ ትምህርቲ ተዓዊትና ኢና  ክብል እደፍር።  ባባ ኣብ ትምህርቲ ዝነበሮ እምነት ሓያል ስለ ዝነበረ እዚ ዕድል ንደቍ ጥራሕ  ዘይኮነስ ንዅሉ ቤተሰብ ክባጻሕ’ውን ይጽዕር ነይሩ። ንኣብነት ብዙሓት ካብ ቤተሰብና ካብ ገጠር እናምጽአ ምሳና ኣብ ገዛና ኮይኖም ክማሃሩ ዕድል ይፈጥረሎም ነይሩ።

ንባብ፤  “ንባባ ካብ ኵሉ ፍሉይ መለለይኡ እንታይ ነይሩ፧” ኢለ እንተዝሕተት መጽሓፍ ምንባብ ምበልኩ።  ኣብ ምሉእ ዕድመይ ባባ ብዘይ መጽሓፍ ዝራኣክሉ መዓልቲ ኣይፍለጠንን። መጽሓፍ ምንባብ  ኣመና ይፈቱ  ነይሩ። ኣብ ህይወቱ ድማ ብዙሓት መጻሕፍቲ ኣንቢቡን ዘንበቦ ሰባት ንኸንብቡዎ ሂቡን። እዚ ልምዲ’ዚ ኣብ  ደቍ ክሓልፍ ድማ ብዙሕ ይጽዕርን የተባብዕን ነይሩ። ንኣብነት ንዓይ ገይና ንእሽተይ ከለኩ British Library  ከምኡውን American Library ክወስደኒ ጀሚሩ። መጻሕፍቲ ብምልቓሕ ድማ ንኸንብብ  የተባብዓኒ ነይሩ። ባባ ኣብ ዕድመኡ ምሉእ ኣመና ብዙሕ መጻሕፍቲ ዓዲጉን ንጻሓፍቲ ኣተባቢዑን። ተማሃራይ  ኣብ ዝነበርክሉ ግዜ ከኣ ኣብ ኩለን ዝተማሃርኩለን ቤት ትምህርታት ኣባል ኮሚቴ ወለዲ ኮይኑ  ዘድሊ ነገራት  ይሕግዝ ነይሩ።

ካልእ ብፍሉይ ዝዝክሮ ድማ ኣቦይን ኣደይን፡ ክበጽሑኒ ናብ ክፍለ-ግዝኣት ሜነሶታ ኣብ ዝመጽእሉ መዓልቲ፡ ንጽባሒቱ፡ ኣነን ስራሕ ምስ ኸድኹ፡ ካብ ድቃሱ ድሕሪ ምትንሳእ  ናብታ ኣነ ዝነብረላ ከተማ ህዝባዊ ንባብ  ኣበይ ከም እትርከብ ሓቲቱ ብእግሩ ብምጕዓዝ በጺሑ ዘድልዬ መጻሕፍቲ ኣዚዙ ተመሊሱ። እታ ቀጻሊ ደስ  እትብሎ ዝነበረት ነገር ከኣ፡ ኣነ ካብ ስራሕ ምስ ተመለስኩ ናብታ ቤት ንባብ ክንከይድን ኣብኡ ከነማስይን እንከለና እያ ነይራ።

ካልእ ዓቢ ጦብላሕታ ዝገደፍለይ ከኣ ምንኣሰይ ሓወይ ተመስገን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ባርካ ተማሃራይ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ባባ ኣባል ኮሚቴ ወለዲ ኮይኑ ነይሩ። ኣብ መዕጸዊ ዓመት ናይቲ ትምህርቲ፡ ባዕሉ ብዝገበሮ ጻዕሪ፡ካብ ሓደ ቤት ንባብ፡ መጻሕፍቲ ብሓገዝ ብምርካብ ነቶም ናይቲ ዓመት ብሉጻት  ተማሃሮ ዝኾኑ፡ ካብ 70 ክፍልታት፡ ካብ ቀዳማይ ስጋብ ሳልሳይ ዝወጽኡ መጻሕፍቲ ሽልማት ከም ዝዋሃብ ገይሩ። ብሓለፍቲ ቤት ትምህርቲ፡ መምህራንን ወለድን ድማ ዓቢ ክብሪ ተዋሂብዎ።  

ኣብታ ዝዓበናላ ገዛውትና ማይ ተመናይ፡ ቤት ንባብ ክህልዎ ናይ ወትሩ ሕልሙ እዩ ነይሩ።  ሓደ መዓልቲ  ድማ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ማይ ተመናይ ብምኻድ ንኣማሓዳሪት’ቲ ከባቢ ዝነበረት፡ “ነዚ ማይ ተመናይ ዝኸውን ቤት ንባብ ክንሰርሕ ሓሳብ ኣለኒ እሞ፡ መሬት ክወሃበና ዝፍቐድ እንተኾይኑ፡ ኮሚቴ ብምፍጣር ንህዝቢ ማይ ተመናይ ኣኪብና፡ ካብቶም ኣብ ወጻእን ኣብ ሃገርን ዘለው ደቂ ማይ ተመናይ ገንዘብ  ኣዋጺእና ቤት ንባብ ክንስርሕ፡” ኢሉ ሓቲትዋ።  “መልሲ ሕጂ ክህበኩም ኣይክእልን እየ፡ ክንሓስበሉ ኢና፡” ኢሎም መሊሶሞ። ባባ ድሕሪ ቍሩብ ሳምንታት ዳግማይ ናብቲ ምምሕዳር ከይዱ ምስ ሓተቶም ኣሉታዊ  መልሲ እዮም ሂቦሞ። ቤት ንባብ ክስራሕ ከም ዘየፍቕዱ ሓቢሮሞ። እታ ብህዝቢ ተሰሪሓ ንህዝቢ  ከተገልግል  ኢሉ ዝሓሰባን ተበገሶ ዝወሰደላ ቤት ንባብ ከይተሰርሓት ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና።ባባ ግን ተስፋ ከይቈረጸ መጻሕፍቲ ነቲ ቤት ንባብ ዝኸውን ይእክብ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ግን ኩላትና ደቂ ማይ ተመናይ ነታ ባባ ዘንቐላ ሓሳብ ንነኣሽቱ ወለዶ ደቂ’ቲ ገዛውቲ እተገልግል ቤት ንባብ ከም እንሃንጻ እምንቶ ኣለኒ።       

ቤተ ክርስትያን፡ ባባ ከምቲ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን’ውን ዓቢ ተገዳስነት’ዩ ነይሩዎ። ካብ ህጻንነተይ ጀሚሩ ናብ ቤት ኣምላኽ ንኽኸይድ መንገዲ ኣትሒዙኒ። በዚ ከኣ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ቃል ኣምላኽ  እናተማሃርኩ በታ ዘርኣይኒ መንገዲ ህይወትን ድሕነትን ብምሓዝ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እናተመላለስኩ ዓብየ። እዚ ድማ ኣብ ህይወተይ እቲ ዝበለጸን ዝዓበየ ህያብ’ዩ።  

 ባባ፡ ኣብ ገዛውትና ዝርከብ ቤተ ክርስትያን፡ ሰበኻ ጉባኤ ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ብብዓመቱ  ፈልሲ ገረብ ብምምጻእ ይተኽለሉ ነይሩ። ኣነ፡ ሓወይ፡ ቤተሰብን ደቂ ገዛውትናን ኣብ ምትኻል ፈልስን ምስታይ  ማይን  ንገለ ዓመታት ተዋሲእና ኢና። “ሓደ መዓልቲ ክትርእይዎ ኢኹም እዚ ቤተ ክርስትያን ብኣግራብ ዝተሸፈነ ክኸውን እዩ፡” ይብለና ነይሩ። 

ኣብ መጀመርያ ተስዓታት ዝተተኽለ ፈልሲ፡ ኣብዚ እዋን ዓብዩ ነታ ቤተ ክርስትያን ግርማ ሂብዋ ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮፍ መበሊ ተሰሪሕዎ፥ ኣመንቲ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ገረብ ኣጽሊሎም ጸሎቶም ናብ ኣምላኸ የብጽሑን ይማሃሩን ኣለዉ።

ቤተሰብ፥  ካልእ ካብቲ ባባ ብቐጻሊዝምዕደንን ዝመክኽረንን ዝነበረ ምስጢራት ህይወት ኣገዳስነት ቤተሰብ’ዩ። ኣነ ምስ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብፍቕርን ሓልዮትን ክማላለስን ክነብርን ይምዕደኒ ነይሩ።  ምምዓድ ጥራሕ ዘይኮነስ ብግብሪ’ውን የርእየኒ ነይሩ።ባባ ምስ ኣሕዋቱ፡ ቤተሰቡን ጎረባብቲን ጥቡቕ ዝኾነ ፍቕሪ ነይሩዎ። ሓደ ካብቲ ፍሉይ መለለዪ ገዛና ዝነበረ ኣቦይን ኣደይን ካብታ ሓዳር ዝጀመሩላ ግዜ ኣትሒዞም  ገዝኦም ንኹሎም ኣዝማድን ቤተሰብን ርሑው እዩ ነይሩ። ከም ውጺኢቱ ድማ ብዙሓት ኣዝማድና ኣብ ገዛና ብምንባር ትምህርቶም ተማሂሮም ስርሖም ሒዞም። ባባ ምስ ኩሉም የሕዋቱን ስድራ ቤት ንብፍቕርን  ሓጉስን’ዩ  የሕሊፍዎ። ባባ ብኩዅሎም ስድራቤቱ፡ ኣዝማዱን ጉረባብቱን ኣመና ፍትው እዩ ኔሩ። ንዓና ንደቁን ስድራቤቱን ዓቢ ኣብነት ኮይኑ ኩላትና የሕዋት ተፋቂርና ክንነብር ድማ ኣብነት ኮይኑና ሓሊፉ።

ኣቤል ተኸስተ

Leave a Reply Cancel reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Recent Posts

  • ግጥሚ ንመምህር ተኸስተ ሃብተ
  • መልቀስ
  • እተን መሰረታውያን ኣርባዕተ ባእታታት
  • Grand Children Memories
  • Tekeste Children Memories

Recent Comments

No comments to show.

Archives

  • March 2023
  • February 2023
  • January 2023
  • February 2022

Categories

  • Uncategorized
©2026 Tekeste Habte Family | Design: Newspaperly WordPress Theme