ባባ ካብ ግዜ ቍልዕነተይ ኣትሒዙ ዝመሃረኒ ነገር ብዙሕ እኳ እንተነበረ ንምጽማቝ ክጥዕመኒ ግን ኣብዘን ዝስዕባ ኣርባዕተ መሰረታውያን ባእታታት ህይወት ከፊለ ክርእዮ ክፍትን’የ። ንሳተን ድማ፡ ትምህርቲ፡ ንባብ: ቤተ ክርስትያንን፡ ቤተሰብን እየን። ትምህርቲ፤ ባባ መምህር ከም ምንባሩ መጠን፡ ኣብ ትምህርቲ ዝነበሮ ተገዳስነት ፍሉይ እዩ ነይሩ። “ትምህርቲ፡ ናብ ዓወትን ጽቡቕ ህይወት ንዝወስድ ዝበለጸ መንገዲ’ዩ፡” ኢሉ ይኣምን ድማ ስለ ዝነበረ ድማ ደቍ ኣብ ትምህርቲ ዕዉታት ክንከውን ብዙሕ ጻዕሪ ይገብርለና ምንባሩ ጽቡቕ ገይረ እዝክሮ። ካብ መዋእለ ህጻናት ጀሚረ ክሳዕ ካብ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቀ ዝወድእ ብፍሉይ ይከታተለኒ ነይሩ። ንኣሕዋተይን…